ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ንስለያ ዘገልግል ፈተነ ሓድሽ ናይ ጨረር ቴክኖሎጂ ከተካይድ’ያ

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ንስለያ ዘገልግል ፈተነ ሓድሽ ናይ ጨረር ቴክኖሎጂ ከተካይድ’ያ

Radio Erena: 30 September, 2014

US Radar

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ስለያን ካልእ ወትሃደራዊ ንጥፈታትን ዘተኮረ ሓድሽ ናይ ጨረር መሳርሒ ክትፍትን ምዃና ዌስት ፍራንስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እዚ ዝተራቐቐ ወትሃደራዊ መሳርሒ፣ ኣብ ምክትታል ምንቕስቓስ ዕጡቓት ዝልዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ምዕከን ዜና፣ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ኣፍጋኒስታን ተፈቲኑ ምንባሩ ጠቒሱ።

ነቲ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ኣብ ጅቡቲ ንኽፍትን ሓላፍነት ወሲዱ ዘሎ ሲቶር ዝተባህለ ኩባንያ፣ ንመማዕበሊ እቲ ፕሮጀክት 25 ሚልዮን ዶላር ባጀት ተሰሊዕሉ ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ።

 

እቲ ኣብ ወትሃደራዊ ስለያ ዝልዓለ ኣበርክቶ ክህልዎ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ጨረር ቴክኖሎጂ፣ ኣብ መስከረም 2016 ኣብ ስራሕ ክውዕል ትጽቢት ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከርን መደበር ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሕጂ ከኣ መፈተኒ ሓድሽ ናይ ስለያ መሳርሒታት ኣብ ምኽፋት ትርከብ።

ኣመሪካ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ጀርመን ዝማእከሉ መደብር ናይቲ ብ ‘እዚ ኣፍሪቃ’ ዝምፍለጥ ሰራዊታ ናብ ጅቡቲ ንምግዓዙ ጻዕርታት ተካይድ ምህላዋ’ዩ ዝንገር።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0