ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ፖሊሲ ትሕንጽጽ

ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ፖሊሲ ትሕንጽጽ

Radio Erena: 21 December 2018

john bolton

ኣመሪካ፣ ናብ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ሓድሽ ፖሊሲ ሓንጺጻ ከምዘላ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

እዚ ሓድሽ ፖሊሲ፣ ንረብሓታት ኣመሪካ ዘቐደመ’ዩ ክብል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ንፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ጆን ቦልቶን ኣገንዚቡ።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ናብ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ሓድሽ ፖሊሲ ሓንጺጹ ዘሎ፣ ነቲ ቻይናን ሩስያን ኣብዛ ኣህጉር ዝገብርኦ ዘለዋ ምሽማው ንምግታእ ዘንቀደ’ዩ።

ብፍላይ ቻይና ምስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሓቶ ዘላ ወፍርታት፣ ብብልሽውናን ደብዛዝ ስምምዓትን ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ተእቱ ከምዘላ’ዩ ዝወቅስ ጆን ቦልቶን።

ንሱ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጽዲቕዎ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ትግባረ ጥራይ ይጽበ ከምዘሎ ኣነጺሩ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ትግባረ ከተሰጋግሮ ትዳለወሉ ዘላ ሓድሽ ፖሊስኣ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብቀንዱ፣ ምስ ምውፋር ዓቃብ ሰላምን ምቁጽጻር ሽበራውያን ጉጅለታትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፣ ኣመሪካ ቀዳምነታታ ሰሪዓ፣ ምስ ሃገራዊ ረብሓታታት ብዝቃዶ ኣካይዳ፣ ሃገራት መመሪጻ ደኣ’ምበር ንዝኾነት ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ንምሕጋዝ መደብ ከምዘይብላ መግለጺ ጆን ቦልቶን የመልክት።

ምምሕዳር ትራምፕ፣ ኣብ ሶማል ድሕሪ 28 ዓመታት ኤምባሲ ምኽፋቱን ነታ ሃገር ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ምምዳቡን ሓደ ካብዚ ሓድሽ ፖሊሲታት ክኸውን ከምዝኽእል ይትንተን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0