ኣመሪካ፣ ንኤርትራ ካብ መዝገብ ኣንጻር ሽበራ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዘይተሓባበራ ሃገራት ሰሪዛታ

Radio Erena: 29 May 2019

ኣመሪካ፣ ንኤርትራ፣ ካብ መዝገብ ናይቲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዘይተሓባበራ ሃገራት ከምዝሰረዘታ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እታ ሃገር፣ ንኤርትራ ካብዚ መዝገብ እዚ ትስርዛ ዘላ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ መንግስታት ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ጅቡቲን ዝጀመረቶ ርክብ’ዩ።

ኣብቲ መዝገብ ምስ ኤርትራ ብሓባር ሰፊራ ዝጸንሓ ሃገራት፣ ኢራን፣ ሰሜን ኮርያ፣ ሶርያን፣ ቬኔዙዌላን’የን።

ንልዕሊ 20 ዓመታት ተነጺላ ዝጸንሐት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ጅቡቲን ድሕሪ ዝጀመረቶ ርክባት፣ ኣብ ልዕሊኣ ንትሽዓተ ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተላዕለላ ይዝከር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0