ኣመሪካ፣ ‘ንኣልሸባብ ዒላማ ዝገበረ’ዩ’ ዝተባህለ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ

Radio Erena: 22 July 2021

ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ጆ ባይደን፣ ኣብ ሶማል፣ ናይ ነፈርሪ ደብዳብ ክካየድ ምእዛዙ፣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣፍሊጡ።

እቲ ብ20 ሓምለ፣ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፣ ከተማ ጋልካዮ፣ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ከምዝተኻየደ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።

ዒላማ እቲ ደብዳብ፣ ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሮም ንዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ፣ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንዝኸፈቱ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንምድምሳስ ምንባሩ እቲ ክፍሊ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ብወገን ኣልሸባብ ይኹን ሓይልታት ኣመሪካ ዝወረደ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ፕረዚደንት ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ሶማል ደብዳብ ነፈርቲ ክካየድ እዚ ናይ መጀመርያ’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ሶማል ጠቕሊሊ ንዝሰሓቦም ሰራዊት ኣመሪካ ናብታ ሃገር ንምምላስ መደብ ከምዘለዎ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሒታት፣ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ይገልጽ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ሃገር ተዘርጊሑ ዝርከብ መርበባት ኣልሸባብ፣ ንመንግስቲ ሶማል ዝዓበየ ስግኣት ካብ ምዃን ዛጊት ከወግድ ኣይከኣለን።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0