ኣመሪካ፣ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ኣልሸባብ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታታ ክጥንቐቑ ጸዊዓ

ኣመሪካ፣ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ኣልሸባብ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታታ ክጥንቐቑ ጸዊዓ

Radio Erena: June 02, 2014

Addis US

ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታታ ጥንቓቐታት ክገብሩ ጸዊዓ።

ኣመሪካ ነዚ ጻውዒት እተቕርብ ዘላ፣ ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ እዋን የፈራርሕ ብምህላዉ’ዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብ29 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣልሸባብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ትካላት ምዕራብ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ውጥን ከምዘለዎ ኣመሪካ ሓበሬታ ከምዝረኸበት’ዩ ዘመልክት።

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ተደጋጋሚ እዋን መጥቃዕቲ ከካይድ እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንመጀመርያ እዋኑ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክያዱ ይዝከር።

ኣብ ኩለን እተን ሰራዊተን ናብ ሶማል ኣዋፊረን ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያ፣ ኡጋንዳን ጅቡትን መጥቃዕቲ ዘካየደ ኣልሸባብ፣ ኣብታ ዛጊት ክደፍራ ዘይክኣለ ኢትዮጵያ’ውን ተመሳሳሊ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ደጋጊሙ’ዩ ዘጠንቕቕ።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ጥሩፋት ጉጅለታት ሶማል ዝኾነ ሸኽ ሓሰን ዳሂር ዕወይስ፣ ካብቲ ዘለዎ ቦታ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ሶማል ኣንጻር ምትእትታው ኢትዮጵያ ክቃለስ ጸዊዑ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0