ኣልጀሪያ፣ ንፕረዚደንት ዓብዱል ዓዚዝ ቡተፍሊቓ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ብሰፊሑ ይቕጽል

ኣልጀሪያ፣ ንፕረዚደንት ዓብዱል ዓዚዝ ቡተፍሊቓ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ብሰፊሑ ይቕጽል

Radio Erena: 07 March 2019

ኣብ ኣልጀሪያ ንፕረዚደንት ዓብዱል ዓዚዝ ቡተፍሊቓ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ብሰፊሑ ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ብተመሃሮ ጀሚሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ተጸምቢሩዎ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ፣ እቲ ፕረዚደንት ንሓሙሻይ ግዚኡ ክምረጽ ኣብ ውድድር ከምዝኣቱ ምስ ኣፍለጠ እዩ ጀሚሩ።

ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ቡተፍሊቓ፣ ብወቕዒ ልቢ ተጠቒዑ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ሕክምናዊ ረዲኤት ተገይሩሉ እዩ ብዓረብያ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ብወተሃደራዊ ሰራዊት ዝተሃንጸ መንግስቲ ኣልጀሪያ፣ ኩሎም’ቶም ህዝባዊ ናዕቢ ዘካዪዱ ዘለዉ ተመሃሮ፣ ኣንጻር ኣልጀሪያ ብዝዓጠቑ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተመወሉ ስለዝኾኑ ብሕጊ ክቕጽዑ’ዮም ብምባል ንሰልፈኛታት ብዘንብዕ ጋዝን ብሓይልን ክብትንዎም ይፍትኑ ከምዘለዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ኣልጀሪያ ሓሊፉ ኣብ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዝነብሩ ኣልጀሪያውያን እውን ዝተጸምበሩዎ ክኾኑ እንከለዉ፣ ‘ብተፍሊቓ፣ ሃገር ክመርሕ ብቕዓት የብሉን። ጸገምና ምስቲ ስርዓት እምበር ምስ ድሕነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ነእቱ ኣይኮናን’ ክብሉ ድምጾም ብዓውታ የስምዑ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣልጀሪያ ዓብዱል ዓዚዝ ቡተፍሊቓ ዝሃነጾ መንግስቲ፣ ብብልሽውና ዝመሽመሸ ኣብ ርእሲ ሙዃኑ፣ መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ተሓሪሙዎም ስደት ዘማዕዱዉሉ ግዜ ከምዝመጽእ ዝገበረ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ የመልክቱ።

ሕብረት ኤውሮጳ ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ መንግስቲ ኣልጀሪያ ንቅዋም ሃገሩ ከኽብርን፣ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝወስዶ ዘሎ ጨካን ስጉምቲ ደው ከብልን ጸዊዖም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ንሓሙሻይ ግዜ እንተተመሪጹ፣ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ክገብር ምዃኑ’ዩ ቃል ዝኣቱ ዘሎ። እንተኾነ ንሰላማዊ ሰልፊ ወጺኡ ዘሎ ህዝቢ፣ ከምዘይኣምኖን ንሓድሽ ፕረዚደንት ዕድል ክህብ ከምዝግባእን ብምጥላብ ንጻውዒቱ ነጺጎሞ ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0