ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቅትለት ተጓዓዝቲ ኣውቶቡስ ልዑል ወጥሪ ፈጢሩ

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቅትለት ተጓዓዝቲ ኣውቶቡስ ልዑል ወጥሪ ፈጢሩ

Radio Erena: 25 Novemeber 2014

Kenya bus attዕጡቓት ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ኣብ ኬንያ ብኣውቶቡስ ንዝጓዓዙ ዝነበሩ28 ሰለማውያን ሰባት ምርሻኖም፣ ኣብ መንጎ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኬንያን ሶማልን ወጥሪ ፈጢሩ።

እዚ ብቀዳም ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት፣ ህዝቢ ኬንያ ኣንጻር ሶማላውያንን ሶማል ዝመበቆሎም ኬንያውያንን ከይለዓል ዘስግእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምታት ከይውሰድ’ውን ፖሊስ ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

 

60 ተጓዓዝቲ ጽዒና ማንዴራ ካብ ዝተባህለ ደቡባዊ ኬንያ ናብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ እትመርሕ ዝነበረት ኣውቶቡስ ጠበናጁን ኣርፒጂታትን ብዝዓጠቑ 20 ዝኾኑ ኣባላት ኣልሸባብ ድሕሪ ምጭዋያ’ዮም እቶም 28 ሰባት ዝተቐትሉ።

ዕጡቓት ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ነቶም 28 ሰባት በብሓደ ካብ ኣውቶቡስ እናውረዱ ከምዝቐተልዎም ዝሓበረ ፖሊስ ኬንያ፣ እዚ ድማ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ፖሊስ ኬንያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መስጊድ ዘካየዶ ስርሒት ምዃኑ ግምታቶም ሂቦም።

እቶም ዕጡቓት ነቶም ተጓዓዝቲ በብሓደ ካብታ ኣውቶቡስ እናውረዱ፣ ጥቕስታት ቁርኣን ክጠቕሱ ንዘይክኣሉ 19 ደቂ ተባዕትዮን ትሽዓተ ከኣ ደቂንስትዮን ከምዝረሸኑ ኸኣ ናይ ዓይኒ ምስክርነታት ይውሕዝ ኣሎ።

ኣልሸባብ 28 ሰባት ከምዝቐተለ ክእመን እንከሎ፣ ፖሊስ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ስርሒት ከኣ ኣብቲ ቅትለት ተዋፊሮም ንዝነበሩ ሓያሎ ዕጡቓት ከምዝቐተለ ይሕብር ኣሎ።

እዚ ኣብ ኬንያ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ምርሻን ተጓዓዝቲ፣ ኣብ ጎረቤት ኬንያ ዝኾነት ኡጋንዳ’ውን ናይ ተጠንቐቕ ኩነታት ፈጢሩ ይርከብ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0