ኣልሸባብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሰለስተ መጥቃዕታት ኣካይዱ

Radio Erena: 26 October 2016

Alshe

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ሶማል ከምዝሰሓበ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣልሸባብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት መጥቃዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ካብ ሰኑን ክሳብ ሰሉስ፣ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ሰለስተ ከባቢታት መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ቀዳማይ ዒላምኡ ነቲ ብጅቡቲ፣ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝቖመ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ምጥቃዕ’ዩ ኔሩ።

በዚ መሰረት፣ ኣልሸባብ ኣብ ከባቢ በለድወይን ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ጅቡቲ ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ሓያሎ ወትሃደራት ከምዝቐተለ’ዩ ዝገልጽ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ጉጅለ፣ ንሶማል፣ ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ስሉሳዊ ዶብ ማንዴራ፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሆቴል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 15 ሰለማዊት ሰባት ቀቲሉ።

ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማልን ከባቢ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራትን መጥቃዕታቱ ዘዛይድ ዘሎ፣ ምርጫ ሶማል ኣብ ዝቓረበሉ ዘሎ ግዜ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣልሸባብ ንላዕላዋይ ሓላፊ ስለያ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምዝቐንጸሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮለነል ዓብዲያሲስ ኣራየ ዝተባህለ ሓላፊ ስለያ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ሞቛድሾ፣ ካብ መስጊድ እናወጸ እንከሎ’ዩ ተቀንጺሉ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0