ኢጣልያ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ዝተበግሱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 300 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ኣድሒና

ኢጣልያ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ዝተበግሱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 300 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ኣድሒና

Radio Erena: 08 April 2016

Egyp

ብንእሽቶ ጃልልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ግብጺ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 300 ስደተኛታት ብይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ድሒኖም።

እቶም ስደተኛታት፣ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ዝበጽሕሉ ብናይ ሳትላይት ቴሌፎን ሓገዝ ድሕሪ ምሕታቶም፣ ዝነበርዎ ቦታ ብናይ ስለያ ነፋሪት ክርከብ ብምኽኣሉ’ያ ኢጣልያ ክልተ መራኽብ ብምውፋር ትማሊሓሙስ 7 ሚያዝያ ከተድሕኖም ዝኸኣለት።

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶርያን ሊብያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሲሲልያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ይርከቡ።

 

እቲ ናብ ቱርኪን ግሪኽን ዘሰጋግር ዞባ ባልካን ኣብዚ እዋን ጽኑዕ ምቁጽጻር ይግበረሉ ምስ ምህላዉ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ጥራይ ከይዛዙ ስግኣት ከምዘለዎ መንግስቲ እታ ሃገር የመልክ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር ማለት ዓሸራ ኣይንህብ ብምባሎም፣ ፖሊስ ኢጣልያ ብሓይሊ ከገድድዎ ምፍታኖም ብተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተነቒፉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0