ኢጣልያ፣ ኣብ ወፍሪ ጸዓትን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዘተኮረ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣካይዳ

Radio Erena: Monday, 29 January 2024

ኢጣልያ፣ ኣብ ወፍሪ ጸዓትን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ዘተኮረ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣቃኒዓ።

እቲ ድልድል ንሓባራዊ ዕብየትብዝብል ስያሜ፣ ብ2829 ጥሪ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጣልያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ እታ ኤውሮጳዊት ሃገራት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዓት ንምውሓስ ኣብ ዘኽእላ ናይ ቢልዮናት ዶላር ወፍሪ ንምትእትታው፣ ጎኒ ጎኑ ድማ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ንዝውሕዙ ስደተኛታት ናይ ምግታእ መደባት ንምምይያጥን ዝዓለመዩ።

ኣንጻር ወጻእተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ንዘለዎ የማናዊ ሰልፊ ፍራቴሊ ኢጣልያወኪላ፣ ኣብ 2022 ናብ ስልጣን ብዝመጸት፣ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒ ዝምራሕ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ንክልተ መዓልታት፣ ኣብ ሮማ ኣብ ዝወደቦ ዋዕላ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ልዕሊ 30 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኣካል ተሳቲፎም።

ፕረዚደንት ናይታ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብምፍራይ ምስ ቀዳሞት ሃገራት እትስራዕ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ብኤውሮጳዊት ሃገር ኣብ ዝተኣንገደ ዋዕላ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፍ፣ ኣብዚ ልዕሊ 20 ዓመታት እዚ ናይ ኢጣልያ ንመጀመርያ እዋኑዩ።

ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት እተማርር ኢጣልያ፣ ንምግትኡ ኣቐዲማ ምስ ሊብያን ቱኒዝያ ተመሳሳሊ ክልታዊ ውዕላት ከቲማያ።

ኣብ ርእሲዚ ኢጣልያ፣ ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝተኸስተ ኵናት፣ ናይ ጸዓት ጠለባታ ንምምላእ፣ ነዳዲን ጋዝን ምስ ዘፍርያ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ምስተን ኣብ ሰሜን ዝርከባ፣ ናይ ወፍሪ ውዕላት ኣብ ምትእትታው ትርከብ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ፣ ጆርጅያ ሜሎኒ፣ ናብ ስልጣን ክትመጽእ ዝጎስጎሰትሉ ካብ ቀንዲ ራኢታታት ንዝኾነ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉውን፣ ብፍላይ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ ዝርከብአን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ወፍሪን ዘተኮረ ውጥናት ከምዘለዋ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0