ኢጣልያን ፈረንሳን ብጉዳይ ስደተኛታት ይሰሓሓባ

ኢጣልያን ፈረንሳን ብጉዳይ ስደተኛታት ይሰሓሓባ

Radio Erena: 14 June 2018

juisepe and macronኢጣልያ፣ ልዕሊ 600 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ገማግም ባሕራ ከይትጽጋዕ ድሕሪ ምኽልካላ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ንዝሃቦ ነቐፌታ ኮኒና።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፣ ንኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሮማ ብምጽዋዕ ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ “ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ኢጣልያ” ክብል ዝሃቦ መግለጺ መብርሂ ክህበሉ ሓቲታ።

ኣብ ኢጣልያ፣ ሕሉፍ የማናዊ መንግስቲ ኣብ ስልጣን መጺእሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እታ ሃገር ስደተኛታት ጽዒነን ብማእከላይ ባሕሪ ንዝመጻ ጀላቡ ከምዘይትቕበል’ያ ትገልጽ ዘላ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፣ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 629 ስደተኛታት ዝጸዓነት፣ ሓካይም ብዘይዶብ ብዝተባህለ ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እትውነን መርከብ ኣኳርየስ ናብ ገማግም ባሕሩ ከይትጽጋዕ መንግስቲ ኢጣልያ ድሕሪ ምኽልካሉ እታ መርከብ ንልዕሊ 30 ሰዓታት ኣብ ባሕሪ ተዓጊታ ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር እታ መርከብ ካብ መንግስቲ ስጳኛ ብዝረኸበቶ ፍቓድ ናብ ወደብ ቫለንሲያ ክትጽጋዕ ክኢላ ኣላ።

ጾር ስደተኛታት ኣብ ዝባነይ ጥራይ’ዩ ዘሎ ዝበለ መንግስቲ ኢጣልያ፣ ዶባታ ንስደተኛታት ዕጹው ጌራ ዘላ ፈረንሳ፣ ክትቕበሎ መብጽዓ ዝኣተወትሉ ብዝሒ ስደተኛታት ከተተግብር ሓቲቱ።

ፈረንሳ ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ንምጥያስ መደብ ከምዘለዋ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

እንተኾነ ዛጊት ሓያሎ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 700 ስደተኛታት ጥራይ’ያ ብሕጋዊ መንገዲ ኣጣይሳ።

ኢጣልያ፣ ብባሕሪ ንዝመጹ ስደተኛታት ምኽልካል ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምስጓግ መደብ ከምዘለዋ’ውን ትገልጽ’ያ።

እንተኾነ እቲ መደብ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይዝትይሉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ረዳኢ ስኢኖም ዝጸንሑ ኣስታት 40 ስደተኛታት ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ድሒኖም።

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ስደተኛታት ከምዘድሓምኖ እኳ እንተረጋገጸ ናበየነይቲ ሃገር ከጸግዖም ምዃኑ ኣይሓበረን።

ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ይዘራረብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ናይ 12 ሰባት ሬሳ’ውን ካብ ባሕሪ ኣውጺኡ ምህላዉ የመልክት።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0