ኢጋድ፣ ልዕሊ 1600 ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ከዋፍር’ዩ

ኢጋድ፣ ልዕሊ 1600 ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ከዋፍር’ዩ

Radio Erena: 26 November 2018

IGAD army chiefs

ኢጋድ፣ ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ዝተዋጽአ 1695 ወትሃደራት ዝሓቖፈ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ከዋፍር ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ካብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ጅቡቲን ሶማልን ዝዋጻአ ሰራዊት፣ ኣብ ሓለዋን ምክልኻልን ናይቲ ግርጭታት ዝርኣየሉ ከባቢታት ዝርከብ ህዝቢ ክዋፈር’ዩ።

ኢጋድ ነዚ ሓይሊ ከዋፍር ዝወሰነ፣ ጠቕለልቲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣባላት እቲ ዞባዊ ውድብ ካብ 19 ክሳብ 22 ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ምዃኑ ሱዳን ትሪቡን ይጠቕስ።

አቐዲሞም እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዉት፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብዛዕባ ህሉው ወትሃደራውን ጸጥታን ኩነታት ደቡብ ሱዳን ከምዝዘተዩ ዝዝከር’ዩ።

ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ናብ ትግባረ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን፣ ዳግም ግጭት ከይውላዕን፣ ኣብ ተኣፈፍቲ ከባቢታት ዝርከብ ህዝቢ ግዳይ ከይከውንን ካብ ስብል ስግኣት’ዩ ኢጋድ ነዚ ወሲኑ ዘሎ።

ብመሰረት ውሳኔ ኢጋድ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ኬንያን ነፍሲ ወከፈን 499 ወትሃደራት ከበርክታ እንከለዋ፣ ጅቡትን ሶማልን ድማ ነፍሲ ወከፍ 99 ዕጡቓት ክልእካ’የን።

ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ሰላም፣ ናብ ንጡፍ ኣባልነት ኢጋድ ክትጽንበር ጻውዒት እኳ እንተቐረበላ፣ ዛጊት ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ናይቲ ዞባዊ ውድብ ኣይተሳተፈትን ዘላ።

ኢጋድ፣- ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ ብጠቕላል ሸሞንተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓቆፈ ዞባዊ ውድብ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓቖፈ፣ ካብ ኢትይጵያን ካልኦት ሃገራትን ዝተወጻእ ልዕሊ 15 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0