ኢትዮጵያ ንመርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ዓጺያቶ

ኢትዮጵያ ንመርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ከምዝዓጸወቶ፣ እቲ ኣብ ቛጠር ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣብ ዶሓ ዝመደበሩ መራኸቢ ብዙሃን ኣልጀዚራ፣ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምዕፋን መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ኣመልኪቶም መብርሂ ንምሃብ እኳ እንተነጸግዎ፣ ካብ ናይ ጉግልን ካልእን ብዝኣተከበ ሓበሬታ ግና ቁጽሪ ናይቶም ንመርበብ ሓበሬታ ዝከታተሉ ሰባት ካብ ግዜ ካብ ብ10ታት ኣሽሓት ወሪዱ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

    እዚ ድማ፣ እቲ ናይ እንግሊዝን ዓረብን መርበባት ሓበሬታ ኣልጀዚራ ተዓቢሱ ከምዘሎ ዘረድእ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

    ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ መርበባት ሓበሬታ ንምቁጽጻር ዘኽእል ዝተራቐቐ ቴክኖሊጂ ከምዘተኣታተወት ጸብጻባት ምግላጾም ይዝከር።

    ኣቐዲማ እታ ብኣሚር ቐጠር እትምወል መደበር ቴሌቪዝን ኣልጀዚራ ኣብ ጉዳይ ኦጋዴን ብምትኳር ድሕሪ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያንን ንግስነት ቐጠርን ዝነበሮም ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ናብ ንቡር ተመሊሱ።

         ኣብዚ እዋን’ዚ ብጉዳይ ኣመንቲ ምስልምና እታ ሃገር ተላዒሉ ብዘሎ ወጥሪ ድማ፣ ኣብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ብሎግ ሓያሎ መልእኽታት ክመሓላለፍ ስለዝጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ከምዝዓጸዎ  ትንታነታት ይወሃበሉ ኣሎ።

    ብመንጽር ናጽነት ፕረስ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ጋዜጠኛታት ብምእሳር’ውን ንኤርትራ ስዒባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምእትርከብ ጸብጻብ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0