ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዝጸንሓ ዶባዊ ግጭት ቅልጡፍ ፍታሕ ክትረኽበሉ ተሰማሚዓ

Radio Erena: 07 March 2023

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንግአን ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብን፡ ንግዳዊ ርክባተን ዳግም ከበራብራን ብሰንበት 5 መጋቢት ተሰማሚዐን።

ሓላፊ ልኡላዊ ቆንስል ሱዳን ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን፡ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ቀጠር ዶሓ፡ ኣብ መበል 5ይ ኣኼባ ኣዝየን ዝደኸያ ሃገራት ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እዮም፡ ኣብዚ ስምምዕ በጺሖም።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝምድና ናይተን ሃገራት ኣመልኪቶም ከም ዝዘተዩን፡ ተዓጊቶም ዝጸንሑ ጉዳያት ብፍላይ ድማ ምሕንጻጽ ዶብ ናይተን ሃገራት ብቕልጡፍ ክትግበር ከም ዝተሰማምዑን ሓቢሩ።

ኣል ፋሽጋ ብዝተባህለ ኣብ ዶባት ክልቲኣን ሃገራት ዝርከብ ልሙዕ ናይ ሕርሻ ቦታ ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ሓሓሊፈን ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ከምርሓ ጸኒሐን እየን።

ይኹን እምበር ማዕከናት ዜና ሱዳን ይኹን መንግስቲ እታ ሃገር፡ነቲ ርክብ ካብ ምጥቃስ ወጻኢ ዝሃብዎ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0