‘’ኢትዮጵያ ልዕሊ 52 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ኣለዋ’’ ሚኒስተር ፋይናንስ

Radio Erena: 03 July 2019

ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 52 ቢልዮን ዶላር ውሽጣዊን ናይ ወጻኢን ዕዳ ከምዘለዋ ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስትሪ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣብ ዘቕረበሉ፣ ኢትዮጵያ 27 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ከምኡ’ውን 25.4 ቢልዮን ዶላር ውሽጣዊ ዕዳ ተዋህሊሉዋ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብዓርቢ 28 ሰነ ዝተዋህበ መግለጺ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ 11 ኣዋርሕ 9.4 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከምዝተኸፍለ ድሕሪ ምግላጽ፣ ዕዳ ክውህለል ዝኸኣለሉ ምኽንያት ውሽጣዊ ወፍሪ፣ ትሑት ደረጃ ሰደድ ከምኡ’ውን ትሑት ተሳታፍነት ውልቃውያን ኣውፈርቲ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ካብዚ ኢትዮጵያ ተሓኒቓትሉ ዘላ ቁጠባዊ ዕዳ ንኽትወጽእ፣ መጀመሪያ ምስታ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ወፍሪ ዘለዋ ቻይና ዝግበር ውዕላት ዳግመ ዝርርብ ክትገብረሉ፣ ከምኡ’ውን ንውልቃዊ ወፍሪ ዝወሃብ ለቓሕ ክጎድል ዝብል መደባት ወጺኡ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2019፣ ቁጠባኣ ብ 9.2 ሚእታዊት ክብ ክብል ትጽቢት ከምዘለዋ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ምግላጹ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0