ኢትዮጵያ፤ ፖሊስ ዞባ ኦሮምያ፣ ንመስራቲ ‘ደሞክራስያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ’ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

Radio Erena: 26 July 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ዞባ ኦሮምያ፣ ንመስራቲ ‘ደሞክራስያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ’ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦኦ ሓበሬታ፣ ኣቶ ልደቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ፣ ምስቲ ብሓድሽ ማዕበል ተጎሃሂሩ ዘሎ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግጭት ብዝተኣሳሰር፣ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

ፕረዚደንት ደሞክራስያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ ን’ዘ ሪፖርተር’ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ፖሊስ ኦሮምያ ብዕለት 10 ሓምለ ኣቶ ልደቱ ክእሰር ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ቢሾፍቱ ዝተኻየደ ናዕቢ ብምውዳብን ፋይናንስያዊ ሓገዝ ብምግባርን ዝብል ክስታት ከምዘቕረበሉ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁዴሳ ዳግማይ ምስ ዝተባረዐ ዓሌታዊ ግጭት ኢትዮጵያ ብዝተኣሳሰር፣ መንግስቲ’ታ ሃገር ንሓያሎ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእቱ ጸኒሑ’ዩ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት፣ ነዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣልማማ ምእሳር ዜጋታት ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም እዮም።

ልደቱ ኣያሌው፣ ‘እዚ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ መንግስቲ፣ ሃገር ክመርሕ ብቕዓት ስለዘይብሉ፣ ሓድሽ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ’ ብዝብል ኣረኣእያኡ እዩ ዝፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0