ኢትዮጵያ፣ ኵናት ክልል ኣምሓራ ብዝልዓለ ናህሩ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ባንክታት ገንዘበን ናብ ኣዲስ ኣበባ የግዕዛ ኣለዋ

Radio Erena: Wednesday,09 August 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ምሉእ ብምሉእ ጸጥታ ብምፍራሱን፣ እቲ ግጭት ናብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ይጽጋዕ ብምህላዉ፣ ባንክታት ገንዘበን ናብ ኣዲስ ኣበባ የግዕዛ ምህላወን መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዝርከባ ባንክታት፣ ዝጸንሐን ጥረ ገንዘበን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘግዕዛሉን ኣገልግሎት ምሃብ ደው ኣብ ዘብላሉን ዘለዋ እዋን፣ ህዝቢ ካብ 10 ሽሕ ብር ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ከየውጽእ’ውን ከልኪለን ኣለዋ።

ብመሰረት መርበባት ዜና እታ ሃገር ዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍራስ ጸጥታን ንምርግጋእ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁ’ውን እንተኾነ፣ እቲ ኩነታት እናበኣሰ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ዝተወልዐ ግጭት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይቕጽል ከምዘሎ እተን መርበባት እኳ እንተሓበራ፣ መንግስቲ ግና ነተን ከተማታት ካብቶም ዕጡቓት ናጻ ይግበረን ምህላዉ’ዩ ዝጠቕስ።

እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ሚሊሻታት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ደብረብርሃን’ውን ይቕጽል ምህላዉ’ዩ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ውድብ መግቢ ዓለም፣ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣቛሪጽዎ ዝጸንሐ ረዲኤት ናብ ኢትዮጵያ፣ ይጅምር ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ምክፍፋል ረዲኤት ብክልል ትግራይ ጀሚሩ ምህላዉ ዘነጸረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ሓጺር ግዜ’ውን ናብ ካልኦት ክልላት ከበጻጽሕ ተስፋ ከምዘሎ ተመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን፣ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ከምዝኾነ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሊዑ ብዘሎ ኵናት፣ ብዝሒ ግዳያትን ተመዛበልቲን ክንጸር እኳ እንተዘይክኣለ፣ ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ሃገር ከጋድድ ምዃኑ ግና ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0