ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ትሽዓተ ኣባላት ጸጥታ ቀንጺሎም

Radio Erena: 21 May 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ቤንች ኣብ ዝርከብ፣ ሸካ ዝተባሃለ ከባቢ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቃዕቲ ብውሕዱ ትሽዓተ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ዶቼቨለ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ካብቶም ኣብዚ ሳልስቲ ዝተቐትሉ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ እቶም ሽዱሽተ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልል ክኾኑ እንከለው፣ እቶም ሰለስተ ድማ ኣባላት ፖሊስ’ዮም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ሰለስተ’ውን ቆሲሎም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ዝዓለመ መጥቃዕቲ ክካየድ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፣ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት መንነቶም ይኹን ዕላምኦም ከምዘይተፈልጠ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ብዘጋጠመ ምፍራስ ጸጥታ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት፣ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ሓድሕዳዊ ግጭታትን መጥቃዕታት ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን ገኒኑ ይርከብ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0