ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወለጋ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ኦርጂ ዲዴሳ ብዕጡቓት ተጠቒዑ

Radio Erena: 06 September 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢ ምብራቕ ወለጋ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ኦርጂ ዲዴሳ መንነቶም ካብ ዘይተነጸረ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝወረደኦ፣ ንኮርፐረሽን ምህርርቲ ሽኮር እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣስታት 400 ኪሎሜተር ንምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ፋብሪካ፣ ናብ ናይ ብሕቲ ንምስግጋሩ መንግስቲ ናይ ጨረታ ምልክታ ካብ ዘውጽኣሎም ሸሞንተ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ሽኮር’ዩ።

እንተኾነ ዛጊት መንነቶም ዘይተነጸሩ ዕጡቓት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ናብቲ ፋብሪካ ብምእታው፣ መካይንን ካልእ ንብረትን ብምቕጻል ከምዝተሰወሩ ‘ዮም ኣካይደቲ እቲ ትካል ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ፋብሪካ ዝወረደ ዕንወት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለን፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ወለጋ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ብብዝሒ ይንቀሳቐሱ ምስ ምዃኖም፣ ነቲ ስርሒት ፈጺሞሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።

ኣብ 2015 ናብ ስራሕ ዝኣተወን ኣብ 16 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝተደኮነን ፋብሪካ ሽኮር ኦርጂ ዲዴሳ፣ ኣብ ዓመት ኣስታት 100 ሽሕ ቶን ሽኮር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዝነበሮ ጸብጻብ ዘ ሪፖረት ካብ ኣዲስ ኣበባ ይሕብር።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0