ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ብዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erena: 24 May 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ፣ ልዕሊ 4,500 ሰባት ከምዝተኣስሩ፣ ንመግለጺ መንግስቲ ናይቲ ክልል ብምጥቃስ፣ ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ ሓቢረን።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ኣሽሓት ሰባት ዝኣስርሉ ዘለዉ ምኽንያት፣ ኣካል ናይቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

እተን ማዕከናት ዜና፣ ንሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ክልል፣ ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ፣ ፋሉልነት ናይ ምውጋድን ሕጊ ናይ ምኽባርን ወፍሪ፣ ሓድነት ናይቲ ክልል ንምሕያልን ካብ ግዳም ንዝመጽእ ጸላኢ ምውጋድን ዝዓለመ ምዃኑ ኣስሚረናሉ።

ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ዝተኣስሩ ሰባት፣ ሚሊሻታት ፋኖ ዕጥቖም ንምፍታሕ ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዝተታሕዙ ምዃኖም ይጥቐስ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት በብእዋኑ ምፍራስ ጸጥታ ከጋጥም ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ’ውን፣ ምስቲ ኣብ ሕዳር 2020፣ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ብስም ፋኖን ካልእን ጠበናጁ ዝዓጠቝ ጉጅለታት፣ ንፈደራላዊ መንግስቲ ስግኣት ኮይኖም ምህላዎም ይሕበር።

ምስዚ ተተሓሒዙ፣ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ፣ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ቅዋማዊ ስርዓተ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምእላይ ፈቲኑ ብዝብል ክሲ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተጨውዩ ኣብ ባህርዳር ተኣሲሩ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ።

ስእሊ፣- ዕጡቓት ፋኖ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0