ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜን ሸዋ፣ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተጨወዩ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 March 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮምያ፣ ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ኣብ እትርከብ ከባቢ ደራ፣ ልዕሊ 100 ሰባት ተጨውዮም ከምዝለው፣ ንስድራቤታቶም ብምውካስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ምዃኖም ዝተገልጹ ጨወይቲ፣ ነቶም ሒዞሞም ዘለዉ ሰባት ንኽለቕዎም ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ይሓቱ ምህላዎም እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኦነግ ሸኔ ንምህዳን፣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ፣ ምንቅስቓስ እቶም ዕጡቓት ተደሪቱ እኳ እንተጸንሐ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድላዮም ይገብሩ ምህላዎም ነበርቲ ብምረት ይገልጹ።

ንመሰል ርእሰ ውሳኤ ህዝቢ ኦሮሞ ከምዝቃለስ ዝገልጽ ኦነግ ሸኔ፣ ብመንግስቲን ምስቲ መንግስቲ ቅርበት ዘለወን ሜድያታትን ንዝቐርበሉ ወቐሳታት ብተደጋጋሚ ብምንጻግ፣ ኣብ ቅትለትን ዝምታን ሰለማውያን ሰባት ኢድ ከምዘይብሉ’ዩ ዝገልጽ።

ብኣንጻሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንሰለማውያን ተወላዶ ኦሮሞ፣ ኣባላት ኦነግ ሸኔ ኢኹም ብምባል፣ ቤት ንብረቶም ከምዘቓጽልሎምን ንገለ ድማ ከምዝርሽንዎምን ይኸስስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ዝገብሮ ናይ ሕቶን መልስን ርክብ፣ መንግስቲ ምስ ኦነግ ሸኔ ክዝቲ ድሉው ምህላዉ እኳ እንተጠቐስ፣ ንጠለቦም ክምልስ ዝኽእል ፖለቲካዊ መሪሕነት ናይቲ ጉጅለ ግና ክፈልጥዎ ከምዘይክኣሉ ኣገንዚቡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0