ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ንሓያሎ ዪኒቨርሲታት እታ ሃገር ኣሰናኺሉ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ንሓያሎ ዪኒቨርሲታት እታ ሃገር ኣሰናኺሉ

Radio Erena: 14 December 2017

 adigrat univኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ብሄራት ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ንሓያሎ ዪኒቨርሲታት እታ ሃገር ኣሰናኺሉ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኸብረ መዓልቲ ብሄራት ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝተፈላለየ ብሄራት ዝመጹ ተማሃሮ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ትእርከብ ዓዲ ግራት ዩኒቨርስቲ ብዘካየድዎ ባእሲን ዕግርግርን ብውሕዱ 3 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ሓያሎ ከኣ ምቑሳሎም’ዩ።

ብሰንኪ ናይ ብሄራት ኣፈላላይ ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭት ኣብ ክልል ኦሮምያን፣ ወለጋ ዩኒቨርሲቲ’ውን ተጓሃሂሩ ከምዘሎ ዝሓበረት ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ብወገና፣ ክልተ ተማሃሮ ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጻ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ጨለንቆን ወልድያን’ውን ተመሳሳሊ ግጭታት ከምዝተራእየ ተፈሊጡ።

እዚ ኣብ መንጎ ተማህሮ ዪኒቨርስቲ ተጓሃሂሩ ዘሎ ናይ ብሄራት ግጭት፣ ነዘን ዩኒቨርስታት ኣሰናኺሉወን ከምዘሎ ዝሓበሩ ካልኦት ምንጭታት ከኣ ናብ ካልኦት ዩኒቨርስታት ከይጎሃሃር ተሰጊኡ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ክልላትን ብሄራትን ዝተጎሃሃረ ግጭታት ናብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ዩኒቨርስታትን ጋንታታት ስፖርትን ይሰጋገር ብምህላዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበኣሰ ጸጥታዊ ስግኣት ከየጓንፍ ዲፕሎማሰኛታት ካብታ ሃገር የጠንቕቑ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭታት ከምዘተሓሳሰቦ ኣፍሊጡ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0