ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት መተማ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 October 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዋስን ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢታት መተማ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ተገሊጹ።

ዘ ሪፖርተር ንምምሕዳር እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቶም ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ቅማንትን ምዃኖም ዝተገልጹ ዕጡቓት፣ ናብ ሰኑይ 11 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ዮም፣ ሻሮን በሬን ኣብ ዝተባህለ ኩርባታት ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞሞ።

እቶም ዕጡቓት፣ ብሰራዊትን ምሊሻን ብዝተኸፍተሎም ጸረ መጥቃዕቲ፣ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝሰርሕዎ ድፋዕ ከውጽኦም ከምዝኸኣለ ‘ዩ እቲ ምምሕዳር ኣመልኪቱ።

እንተኾነ በቲ ኣብ ዞባ ጎንደር ኣብ ዝርከባ ክልተ ዓድታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተፈልጠን።

እቶም ዕጡቓት ብወገን ሱዳን ሰጊሮም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞሞ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ምምሕዳር እቲ ከባቢ እኳ እንተኣንፈተ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ፣ ሓይልታት ትግራይ ብወገን ወልቃይትን ዶብ ሱዳንን መጥቃዕቲ ከፊቶም ኣለዉ ክብል ወቒሱ ኔሩ’ዩ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0