ኢትዮጵያ፣ ምስፍሕፋሕ ሕማም ሸሮኽ የሻቕል

Radio Erena: 05 July 2019

ኣብ ኢትዮጵያ 871 ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከም ዝተጠቕዑ ሓላፊ ኢንስቲትዩት ጥዕና ኢትዮጵያ ጌታቸው ቶለራ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

በቲ ኣብ ክልላት ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ሶማልያ ከምኡ ውን ኣብ ክልል ዓፋር ተራእዩ ተራእዩ ዘሎ ሕማም
17 ሰባት ምሟቶም ኣቶ ጌታቸው ኣረጋጊጹ።

እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ናይዚ ሕማም ካብ ክልል ኦሮሞ ክኾኑ ከለዉ 350 ሰባት በዚ ሕማም ተጠቒዕም ኣለዉ። ዝተረፉ 202 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 131 ካብ ዓፋር፣ 33 ካብ ክልል ሶማል፣ 19 ድማ ካብ ክልል ትግራዮም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ 125 ዝኾኑ ሰባት በዚ ሕማም ተለኺፎም ከም ዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ጌታቸው፣ ነቲ ምስፍሕፋሕ ንምዕጋት ኣብ መላእ ሃገር 26 ነቑጣታት ተዳልዩ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብቲ ድሮ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢታት መድሃኒታት ተዳልዩ ከም ዘሎ ድማ ኣብሪሁ።

ኣቐዲሙ፣ ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት ኣብታ ሃገር ብዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝሞቱን 390 ከም ዝተጠቕዑን ይዝከር።

ሸሮኽ፣ ብሰንኪ ርስሓትን ኣከባቢን ጽሬቱ ዘይሓለወ ማይን መግቢን ዝስዕብ ኮይኑ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቀሊሉ ዝመሓላለፍ፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ሕማም’ዩ።

እዚ ሕማም፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ቀሪኒ ኣፍሪቃ፣ ጸጸኒሑ ክላባዕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0