ኢትዮጵያ፣ ሒዛቶ ካብ ዘላ ልኡላዊ ክፋል መሬታ ሱዳን ክትስሕብ’ያ ተባሂሉ

Radio Erena: 12 April 2020

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ሒዛቶ ዝጸንሐት፣ ሰፊሕ ክፋል ልኡላዊ መሬት ሱዳን ክትስሕብ ምዃና ኣል ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ስሞም ንዘይጠቐሶም ምንጭታቱ ብምውካስ ኣቃሊሑ።

እቲ ማዕከን ዜና ብ12 ሚያዝያ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ኣስታት 600 ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ዘለዎ፣ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬታ ኣል ፋሽጋ፣ ሉኣላዊ ክፋል ሱዳን ምዃኑ ዝኣመነት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙናት፣ ሰራዊታን ስሒባ ንመንግስቲ ሱዳን ብወግዒ ከተረክቦ’ያ።

ብጠቕላሉ ሓለፋ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣደም መሓመስ ዝምራሕ ላዕለዎት ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ ብዛዕባ ምምልካትን ምሕንጻጽን እቲ ዘሰሓሓበ ክፋል ዶባት ከምዝተመያየጡ ዘነጸረ እቲ ምንጪ እዚ ንምትግባር ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ክረሓሓቕ ከምዝተረዳድኡ ኣገንዚቡ።

ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬታ ዝውንን ኣል ፋሽጋ፣ ንሓረስቶት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከሰሓሕብ ምጽንሑን ብሰንኩ ብዝተጎሃሃረ ተደጋጋሚ ግጭታት ድማ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑን ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ክልቲኤም መንግስታት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ እቲ ጉዳይ ብዘተን ምርድዳእን ክፍታሕ’ዮም ስምምዕ ከቲሞም።

ኣብ 2015 መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሉእላዊ ክፋል መሬት ንሱዳን ኣሕሊፉ ሂቡ ብዝብል ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቓውሞታት ህዝቢ ከምዘለዓዓለ ኣይርሳዕን።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝውንንኦ ኣስታት 1600 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ፣ ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ኢጣልያን ዝተኸተመ ስምምዕ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ዶብ፣ ከም መብዛሕትኡ ሓድጊ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ዝኾነ ዶባት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብንጹር ዝተመልከተ ኣይኮነን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0