ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ፣ ሕጹያት ስልማት ኖቤል ምዃኖም ከም መዘናግዒ ክቀርብ ቀንዩ

ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ፣ ሕጹያት ስልማት ኖቤል ምዃኖም ከም መዘናግዒ ክቀርብ ቀንዩ

Radio Erena: 08 October 2018

Issaias for Nobel

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ዝርከቦም ሰለስተ መራሕቲ፣ ንናይ ሰላም ስልማት ኖቤል 2018 ምርቆሖም፣ ብሓያሎ ወገናት ከም መዘናግዒ ክቐርብ ቀንዩ።

እቶም ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርዊ ንስልማት ኖቤል፣ ብምርቁሖም ከም መዘናግዒ ክቐርቡ ዝቐነዩ ክልተ መራሒ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን’ዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ነዚ ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብምዃን’ዩ ተረቑሑ ኔሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ብምራኽቡ’ዩ ክልቲኦም መራሕቲ ነዚ ብደረጃ ዓለምዝወሃብ ዝዓበየ ናይ ሰላም ክብሪ ዝተረቁሑ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ስልማት ኖቤል፣ ብሓፈሻ ልዕሊ 300 ሰባትን ማሕበራትን ሕጹያቶ ኮይኖም’ዮም ቀሪቦም።

እዞም መራሕቲ፣ ንሓያሎ ዓመታት ከሰሓሕቦም ዝጸንሐ ጉዳያት ብምሕዳግ ናይ ሰላም ተበግሶታት ዝወሰድሉ ምኽንያት፣ ንሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ክብረት ሰብኣዊ መሰላትን ቀዳምነት ስለዝሃቡ ዘይኮነስ በብውልቆም ነንፖለቲካዊ ረብሓታቶም ዝገብርዎ ዘለዉ ምዃኑ’ዩ ይትንተን።

ኣብ 2009፣ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ብምዕዋቱ፣ ብዙሕ ክትዓት ከምዝፈጠረ ኣይርሳዕን።

ተዓወቲ ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል 2018፣ ብዓርቢ 5 ጥቅምቲ ብወግዒ ኣብ ዝተነግረሉ፣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾና ደቂንስትዮ ኣብ ምእላይ ዝነጥፍ፣ ተወላዲ ኮንጎ ዝኾነ ናይ ማህጸን ዶክተር ደኒስ ሙኩዌገን፣ ካብ ዓሌት ዛይዲ ዝኾነት፣ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ኣይሲስ ዝነበረትን ዒራቓዊት ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት ናዲያ ሙራድን ተዓወቲ ኮይኖም።

ሓደ ሚልዮን ዶላር ግንዖ ዘለዎ ስልማት ኖቤል፣ ኣብ 10 ታሕሳስ ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት፣ ዕዉታት ስልማቶም ብወግዒ ክርከቡ’ዮም።

=================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0