ኢራን፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን ሃገራት ኢጋድ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን ክትተሓባባር ከምእትደሊ ገሊጻ

ኢራን፣ ኤርትራ ምስ እትርከበን ሃገራት ኢጋድ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን ክትተሓባባር ከምእትደሊ ገሊጻ

Radio Erena: 05 January 2015

Iran Igad

ኢራን፣ ኤርትራ ምስ ትርከበን ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን ክትተሓጋግዘ ከምእትደሊ ገሊጻ።

ኢራን ነዚ ዝገለጸት፣ ምክትል ሚኒስተር ኢራን ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሑሰን ኣሚር ዓብዶላሕያን ምስ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ማሕቡብ ሙዓሊም ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን’ዩ።

ኣብቲ ዝርርብ ብተወሳኺ፣ ኢራን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ተልእኾታት ምዕቃብ ሰላም ክትዋሳእ ድሌት ከምዘለዋ እቲ በዓል ስልጣን ኢራን ኣረጋጊጹ።

 

ብዘይካ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን፣ ኢራን ኣብ ሕርሻ፣ ጸዓት፣ ኤሌክትሪሲቲን ካልእን ናይ ልምዓት መደባትን ሃገራት ኢጋድ ከተበርክት ከምእትደሊ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋ ማሕቡብ ሙዓልም ብወገኑ፣ ምድልዳል ዝምድና ኢራንን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

በይነ-መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንልምዓት ማለት ኢጋድ፣- ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ክልቲኤን ሱዳን፣ ሶማል፣ ኬንያን ኡጋንዳን ዘጠቓለለ ዞባ’ዊ ውድብ’ዩ።

ኣብ 1993 ናብዚ ውድብ ዝተጸንበረት ኤርትራ ብፍቓዳ ስሒባ እኳ እንተጸንሐት፣ ደጊማ ክትምለስ ከምዝሓተተ ዝዝከር’ዩ።
===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0