ኢራን፣ ምስ መሰል ደቂንስትዮ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝተኣስሩ ክልተ ዜጋታታ ብማሕነቕቲ ቀጺዓ

Radio Erena: 08 January 2023

መንግስቲ ኢራን፣ ምስቲ ምስ መሰል ደቂንስትዮ ተተሓሒዙ ካብ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝተኣስሩ ክልተ ዜጋታቱ፣ ብ07 ጥሪ ብማሕነቕቲ ቀጺዑ።

እቶም መሓመድ ማህዲ ካራሚን ሰይድ መሓመድ ሑሰይኒን ዝተባህለ ክልተ ዜጋታት፣ ኣብ ምብታን እቲ ተቓውሞ ንዝተዋፈረ ሓደ ኣባል ሓይልታት ጸጥታ ቀቲልኩም ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪቡሎም ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢራን ነቶም ክልተ ዜጋታቱ ከምዚ ዓይነት ክሲ ምቕራቡን ብሞት ምቕጽዑን ንካልኦት ከም መፈራርሒ’ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ ክብሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ወቒሶም።

እታ ሃገር ኣቐዲማ ንክልተ ዜጋታት’ውን ብተመሳሳሊ ክትሓንቖም እንከላ፣ ምስቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተተሓሒዙ፣ ብሓፈሻ 16 ሰባት ብሞት ክቕጽዑ ከምዝወሰነት ይግለጽ።

እታ ምስ ምዕራባዊ ዓለምን መሻርኽቶምን ኣብ ምፍጣጥ እትርከብ ኢራን፣ ብማሕነቕቲ ዜጋታታ ምቕጽዓ፣ ንተወሳኺ ጸቕጢ ኣቃሊዑዋ ይርከብ።

ማሕሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፣ ብግቡእ ኣይተጎልበብኪን ብዝብል ብፖሊስ ተታሒዛ ኣብ ቀይዲ እንከላ ድሕሪ ምማታ፣ ኣብ መስከረም 2022፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምስ መሰል ደቂንስትዮ ብዝተኣሳሰር፣ ህዝባዊ ተቃውሞ ምክያዱ ይዝከር።

እቲ ንሓያሎ ሳምንታት ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ መብዛሕቶም ተሳተፍቱ መንእሰያት ምዃኖም፣ እታ ብሕሉፍ እስላማዊ ሸሪዓ እትመሓደር ሃገር፣ ለውጢ ዝደሊ ወለዶ ከምዘለዋ ዝእንፍት ምዃኑ’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ሂቦምሉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0