ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ከሐድሳ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 13 March 2023

ኢራንን ስዑዲ ዓረብን፣ ዲፕሎማስያዊ ዝምድነአን ንምሕዳስ ተሰማሚዐን።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ ክልቲኤን ሃገራት፣ ብመንጎኝነት ቻይና ኣብ በይጂንግ ድሕሪ ዝገበሩዎ ዝርርብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣምባሳደራት ክለዋወጣ ተሰማሚዐን።

ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ኢድ ብምእታው፣ ናይ ውክልና ኲናት ከካዪዳ ዝጸንሓ እዘን ክልተ ሃገራት፣ ዝምድናአን ናብ ንቡር እንተተመሊሱ፣ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ናይ ጸጥታን ዲፕሎማሲን ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት ይግበረሉ።

መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ብዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ኤምባሲታት ክኽፈት እዩ።

ነቲ ስምምዕ፣ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክትጉስጉሰሉ ከምዝጸንሐት እትገልጽ ቻይና፣ ኣብ ወሽመጥ ሃገራት ፐርሺያ ቁጠባዊ ምትእትታው ንኽትገብር፣ ከም ቀዳማይ ዕላማኣ ሒዛ’ያ ሰሪሓትሉ። ብኣንጻሩ ንኢራንን ስዑዲ ዓረብን ክትሽምግል፣ ንሓያሎ ዓመታት ዝደኸመት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብዚ ስምምዕ’ዚ ኣይተሳተፈትን።

ዝበዝሐ ህዝባ ተኸታሊ እምነት ሺዓ ዝኾነት ኢራን፣ ንዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ፣ ተኸታሊት እምነት ሱኒ ስዑዲ ዓረብ ከኣ ንመንግስቲ የመን ብምድጋፍ፣ ናይ ውክልና ውግእ ከካዪዳ ጸኒሐን እየን።

እዚ ኤርትራ’ውን ዝተጸምበረትሉ ውግእ ሓድሕድ የመን፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ስዑዲ ዓረብን ኢራንን፣ እንታይ መልክዕ ክሕዝ እዩ፣ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0