“ኡጋንዳ፣ 44 ኤርትራውያን መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ብኮረና ቫይረስ ተለኺፎም” ሚ/ጥዕና

Radio Erena: 18 June 2020

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኮረና ቫይረስ ካብ ዝተራእየሉ ወርሒ ኣትሒዙ 1197 መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ሚኒስተር ጥዕና ዶ/ር ዤን ሩት ኣሰንግ ኣፍሊጣ።

ንሳ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃብቶ ሓፈሻዊ ኩነታት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኡጋንዳ፣ ካብን ናብን ጎረባብሪ ሃገራት ክመላለሱ ካብ ዝጸንሑ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፣ ብብዝሒ ኮረና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ኬንያ ኮይኖም፣ ቁጽሮም 444 ይበጽሕ።

337 ኡጋንዳውያን መራሕቲ ዓበይቲ መካይን በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ 222 ታንዛንያውያን፣ 44 ኤርትራውያን እቶም ዝተረፉ ድማ ዜጋታት 7 ሃገራት እቲ ዞባ’ዮም።

699 ወጻእተኛታት መራሕቲ ዓበይቲ መካይን፣ ንተወሳኺ መርመራን ሕክምናዊ ክንክንን ነናብ ሃገሮም ከምዝተፋነዉ ዘመልከተት እታ ሚኒስተር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኮረና ቫይረስ ዘይሓወዩ 560 ሰባት ኣብ 14 ትካላት ጥዕና ይእለዩ ከምዘለዉ ገሊጻ።

እቶም 64 ካብዚኣቶም ዜጋታት ወጻኢ’ዮም።

ኡጋንዳ፣ ብኮረና ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ኣይመዝገበትን።

ብመሰረት መግለጺ ሚኒስተር ጥዕና፣ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 33 ዞባታት ኡጋንዳ፣ ተላቢዑ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Haben 4 years ago

    እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዜና ብጣዕሚ ግዚኡ ዝሓለፈ እዩ። ዜና ክበሃል ከሎ፡ ኣብ እዋኑን ግዚኡን እዩ፡ እዚ ዜና እዚ ካብ ዝወጽእ 2 ሰሙን ጌሩ ኣሎ። ስለዚ እተቕርብዎ ዜና ኣብ እዋኑ ክኸውን ኣለዎ።