ጂቡቲ፣ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ተዓጊተን ንዝርከባ መራኽብ፣ ክትሕግዝ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 18 June 2020

Djibouti Doraleምስ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ፣ ሓያሎ ናይ ጽዕነት መራኽብ ኣብ ክሊ ማያት ዓለምና ተዓጊተን ከምዘለዋ በብእዋኡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ዝመላለሳ፣ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልመደብ ተዓጊተን ንዝርከባ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ዝበሎ መደብ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ።

ብፍላይ ባሕረኛታትን ሰራሕተኛታት ናይተን ተዓጊተን ዝርከባ መራኽብን ንዕረፍቲ ይኹን ምቕይያር ናይ ስራሕ ምስ ዘድሊ፣ ንወደብ ጂቡቲ ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ምፍቃዳ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ባሕሪ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር፣ ምስ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበር መጓዓዝያ ባሕር ብሓባር ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፣ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ተዓጊቶም ዝርከቡ ባሕረኛታት፣ ንናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ጂቡቲ ከም መሰጋገሪ ክጥቀምሉ ይኽእሉ’ዮም።

ኣብ ክሊ ማያት ዓለምና፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተዓጊቶም ዝርከቡ ኣስታት 70 ሽሕ ባሕረኛታትን ሰራሕተኛታት መራኽብን፣ ነናብ ዓዶም ንምፍናው ወይ ብካልእ ሰራሕተኛታት ንምቕያር ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ባሕሪ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣመሪካ ዝሸመቶ 33 ሽሕ ቶን ማሸላ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ክሊ ማያት ሞሮኮ ተዓጊታ ከምዘላ ተቓሊሑ’ዩ።

ሓያሎ ሃገራት ኣብ ባሕሪ ንዝተዓግቱ ባሕረኛታት ንምሕጋዝ ዝተበግሶታት ክወስዳ ክርኣያ እንከለዋ፣ ብኣንጻሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዓግቱ ሰለስተ ቱርካውያን ሃንደስቲ ባሕሪ፣ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ድሕሪ ምጽግዖም፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ተታሒዞም ደሃዮም ከምዝጠፍአ ካብ ወገን ቱርኪ ይስማዕ ኣሎ።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ብዛዕባ’ዞም ኣብ ኤርትራ ደሃዮም ዝጠፍአ ባሕረኛታት ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝጸሓፎ ደብዳበ መልሲ ከምዘይረኸበሉ ሑሪየት ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0