‘ኡጋንዳ፣ ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ምዝማት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ክልተ ዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም’ ፖሊስ

Radio Erena: Friday, 18 August 2023

ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ፣ ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ዝርከብዎም ሰባት ኣብ ምኽታርን ምዝማትን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ክልተ ዕጡቓት ኣባል ጭፍራ ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ መጀመርያ ዕለታት ናይዚ ውርሒ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝተገልጹ ዕጡቓት ቤኖን ቱምዌሲጅን ሮናልድ ምባዚራን ከምዝበሃሉ ዝሓበረ ፖሊስ፣ ብፍላይ ኣብ ዜጋታት ኤርትራን ሶማልን ብምትኳር፣ ኣብ ክትራን ዓመጽን ዘረፋን ተዋፊሮም ምጽንሖም’ዩ ዝገልጹ።

ቤኖን ቱምዌሲጅ ኣቐዲሙ፣ ባኩሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ ልዕሊ ስለአስተ ኤርትራውያን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ፣ ኣዛዚ ምክትታል ገበን ብርጋደር ጀነራልክሪስ ዳሙሊራ ከሲሱ።

ኣፈኛ ፖሊስ ከተማ ካምፓላ፣ ፓትሪክ ኦንያንጎ ብወገኑ፣ እቲ ክሱስ፣ ሩባጋ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ እታ ከተማ፣ ኣብ ልዕሊ ሸሞንተ ሶማላውያን ነጋዶ መጥቓዕቲ ከምዘካየደን፣ ሓደ ካብቶም ሶማላውያን ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተቐትለን ሓቢሩ።

እቲ እምባዚራ ዝተባህለይ ካልእይ ክሱስ ድማ፣ መንበሪ ኣባይቲ እናሰበረ፣ ንብረት ክዘምት ምጽንሑ’ዩ ተጠቒሱ ዘሎ።

ክልትኦም እዞም ጥርጡራት፣ ዝተፈላለየ ክስታት ቀሪብሉልም ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ይርከብ።

ኣብ ካምፓላ፣ ዝርከቡ ኤርትራውያን ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ግዳያት ሰረቕቲ ከምዝኾኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሳሕቲ ድማ ክሳብ ሞት ዝበጽሐ ምስ ስርቂ ዝተተሓሓዘ ገበናት ከምዝፍጸም በብእዋኑ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ካምፓላ፣ ብዘይካ’ቶም ኣብ ንግዲን ወፍሪን ዝተዋፍሩ፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምስጋር መስርሕ ዝጽበዩ ዘለዉ ዝርከብዎም ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ሰነዳት እታ ሃገር የመልክት።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0