ኡጋንዳ፣ ኣባላት ባይቶ ነፍሲ ወከፎም 5 ሽሕ ዶላር ሞቕሽሽ ክወሃቡ ዝሓለፈ ውሳኔ፣ ንህዝቢ ኣቖጢዑ

Radio Erena: 23 April 2020

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ን21 መዓልታት ዝጸንሐ ናይ ውሸባ እዋን ኣዊጅሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ነነፍሲ ወከፍ ኣባል ባይቶ 20 ሚልዮን ሺሊንግ (ኣስታት 5 ሽሕ ዶላር) ሞቕሽሽ ክወሃቦ ምውሳኑ፣ ኣብ ህዝቢ ቁጠዐ ፈጢሩ።

ሃገራት ዓለም፣ ንለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት፣ ኣብያተ ሕክምና ዘድሊ ናውቲ ንምሽማትን ቁጠባ ንምርግጋእን ኣብ ዝጻደፋሉ ዘለዋ እዋን፣ ፓርላማ ኡጋንዳ ድማ፣ ንኩሎም 426 ኣባላቱ ዝውዕል ናይ 10 ቢልዮን ሺሊንግ (ኣስታት 2.4 ሚልዮን ዶላር) ሞቑሽሽ ከም ቀዳምነት ሰሪዑ ምጽዳቑ ካብ ህዝቢ ተሪር ነቐፌታ ይውሕዞ ኣሎ።

ህዝቢ ኡጋንዳ፣ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ተቓውምኡ ክገልጽ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ሸሓኒ፣ ባዴላን ጀሪካናታን ብኣባትር እናደሰቐ ከካብ ገዝኡ ተቓውምኡ ከምዘስምዐ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣረጋጊጸን።

እቲ ገንዘብ፣ እንተወሓደ ነቶም ኮረና ቫይረስ ንምምካት ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ዘለዉ ሰብሞያ ጥዕናን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ክኸውን ኔርዎ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ንሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ገሊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0