ን19 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ተባዕ ጋዜጠኛ 2020 ናይ ፔን ፒንተር ተባሂሉ

Radio Erena: 13 October 2020

ን19 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ተባዕ ጋዜጠኛ 2020 ናይ ፔን ፒንተር ብሪጣንያ ተረቑሑ።

ጸሓፊ፣ ገጣሚን ጋዜጠኛን ኣማኑኤል ኣስራት፣ ኣብ 2016’ውን ብሓርነት ሓሳብካ ምግላጽ፣ ተዓዋቲ ፔን ኦክስፋም ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣማኑኤል ኣስራት፣ ምስ ካልኦት ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ኣሳናዳእትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን፣ ኣብ መስከረም 2001 ድሕሪ ምእሳሮም፣ ዛጊት ሃለቶም ኣይፍለጥን’ዩ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0