ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ ሆስፒታል ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣካይዱ

Radio Erena: 23 July 2020

ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ፣ ኣብ ሪያድ ካብ ዝርከብ ሆስፒታል ንጉስ ፈይሰል ኮይኑ፣ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

እቲ ወዲ 84 ዓመት ንጉስ፣ መርመራ ረኽሲ ሓሞት ዝኽዝን ኣካል ንምክያድ’ዩ ብሰኑይ 20 ሓምለ ናብቲ ሆስፒታል ተወሲዱ።

ኣብቲ ተዓቝብሉ ዘሎ ሆስፒታል ኮይኑ ድማ ብሰሉስ 21 ሓምለ፣ ብመንገዲ ቪድዮ ኮንፈረንስ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ከምዘካየደ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ንጉስ ካብ ሆስፒታል ኮይኑ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ከካይድ ዝተደልየሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

እንተኾነ እቲ ንጉስ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምውሳዱ፣ ሞይቱ ከይክለውን ንዝብል ወረ ንምፍሻል ዝዓለመ ተራ ኣኼባ ምንባሩ ዝገልጹ ወገናት እታ ሃገር ኣለዉ።

ካብ 2015 ኣትሒዙ ንስዑዲ ዓረብ ዝመርሕ ዘሎ ንጉስ ሳልማን፣ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገማት፣ ዝበዝሐ እዋኑ ጉዳያት ብመንገዲ ወራሲ ዓራት ወዲ 34 ዓመት ወዱ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ከምዘካይድ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0