ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ ዓሳ ክገፉ ዝጸንሑ 66 ግብጻውያን ተታሒዞም

ንኤርትራን የመንን ኣብ ዘዋስን ክሊ ማይ ዓሳ ክገፉ ዝጸንሑ 66 ግብጻውያን ተታሒዞም

Radio Erena: 31 October, 2014

Egy

ኣብቲ ንኤርትራን የመንን ዘዋስን ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ክነጥፉ ዝጸንሑ 66 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ምስ ሰልስተ መራኽቦም ተታሒዞም።

እቶም ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብ12 ጥቕምቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ድሕሪ ምእታዎም ኣብቲ ንኤርትራን የመንን ዘዋስን ክሊ ማይ ዓሳ እናገፈፉ’ዮም ብሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ተታሒዞም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብታ ናብ ኤርትራ ዝቐረበት ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም ኣለዉ።

 

ሖዴዳ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ 32 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ኮይና፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣትሒዛ ኣብ ትሕቕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ሑቲ ናይ ሺዓ ከምዝወደቐት ዝዝከር’ዩ።

መንግስቲ ግብጺ’ውን እቶም 66 ዜጋታቱ በቶም ነታ ከተማ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተቓወምቲ ሑቲ ተታሒዞም ከምዘለው ኣረጋጊጹ።

እቲ ግብጻውያን ዝተታሕዝሉ ክሊ ማይ፣ ንኤርትራን የመንን’ውን ኣብ ጉዳይ ምግፋፍ ዓሳ ዘሰሓሕበን’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዘከራኽር ክሊ ማይ እናኣተዉ ዓሳ ንዝገፈፉ ኣማኢት የመናውያን ከምዝቐየደ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምስ መንግስቲ የመን ድሕሪ ዝተኻየደ ዝርርብ ንመብዛሕቶም ከምዝለቐቖም ይዝከር።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0