ንኣዋርሕ ደው ኢሉ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ዳግም በረራታት ይጅምር

Radio Erena: 26 December 2016

Eritrean Airlines

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2016፣ ናይ መጓዓዝያ በረራታቱ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ስሩዕ በረራታት ይጅምር ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መንገዲ ኣየር ኤርትር ካብን ናብን ኣስመራ፣ ካርቱም፣ ካይሮ፣ ጂዳን ዱባይን ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ካብ ወርሒ ሰነ ኣትሒዙ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ደው ድሕሪ ምባሉ፣ በቲ መንገዲ ኣየር ንምጉዓዝ ትኬት ዘቑረጹ ገያሾ ብፍላይ ኣብ ጂዲን ካይሮን ካብ ሰዓታት ክሳብ መዓልታት ከምዝተደናጎዩ ኣብቲ እዋን’ቲ ሬድዮ ኤረና ምቕልሓ ኣይርሳዕን።

ኣብ ግብጺ ተደጋጋሚ ምድንጓያት ዘጋጥሞ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ብሰንኪ ዘዋህለሉ ዕዳ፣ ካብ ኣስመራ ናብ ካይሮ ዘካይዶ ዝነብረ በረራታት ንግዜኡ ደው ከብል ምዃኑ’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ካብ ካይሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካይሮ ንመዓልታት ተደናግዮም ዝነበሩ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝርከብዎም ገያሻ፣ ብመተካእታ መንገዲ ኣየር ግብጺ ናብ ካርቱምን ኣስመራን ድሕሪ ምፍናዎም፣ ናይ ኣስመራ ካይሮ በረራታት ብመንገዲ ኣየር ግብጺ ጥራይ’ዩ ተባሒቱ ጸኒሑ።

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ካብ ካይሮ ናብ ኣስመራ ዘካይዶ በረራታት፣ ብዝሒ ገያሾ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ክሳራታት ስለዘጋጠሞ ደው ከብል ተደጋጋሚ ካብ ኣመሓደርቲ እቲ መንገዲ ኣየር ምሕጽንታ ይቐርብ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ብዘሎ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ግና እቲ መንገዲ ኣየር ክቕጽል ከምዝተደፋፍአ ‘ኤልባላድ’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ግብጺ የመልክት።

እቲ ብሰንኪ ናይ ነፈርቲ ቴክኒካዊ ብድሆታትን ናይ ምምሕዳር ጸገማትን ተደጋጋሚ ምቁራጻት ዘጋጥሞ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2016 ኤየር ባስ ኤ 320 ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ኣርሜንያ ብኽራይ ብምምጻእ፣ ዳግም ናብ ካሩም፣ ካይሮ፣ ጅድን ዱባይን ንምብራር ይበጋገስ ኣሎ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ደው ካብ ዝብል፣ ሎሚ 26 ታሕሳስ ፈላሚ ናይ መጓዓዝያ በረርኡ ናብ ካርቱም ከካይድ ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ከኣ ናብተን ካልኦት ሰለስተ ከተማታት ንምብራር መደብ ከምዘለዎ ጠቒሶም።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት ፍርቂ ዓመት ምስንኻል ዳግም ናይ መጓዓዝያ በረራታቱ ዝጅምር ዘሎ፣ መንገዲ ኣየር ቀጠር ካብ 4 ታሕሳስ ናይ ኤርትራ በረራታቱ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምቁራጹ’ዩ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ በብእዋኑ ከጋጥሞ ብሰንኪ ዝጸንሐ ክሳራታትን ቴኒካዊ ጸገማት ነፈርትን ተደጋጋሚ እዋን ጠቕሊሉ ስርሑ ደው ከብል ከምዝተገደደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ካብ 2014 ንደሓር ከኣ ካብ ኢስት ኣየርን መንገዲ ኣየር ዩክሬይንን ብኽራይ ብዘምጽአን ቦይንግን ኣየርባስን ዝዓይነተን ክልተ ነፈርቲ ዳግም ስርሑ ከምዝጀመረ ይዝከር።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0