ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝተኣኻኸቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ባእሲ ብውሕዱ 11 ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena; 28 April 2017

Calais fight

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ዝተኣኻኸቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቦውም ስደተኛታት ንሓድሕዶም ብዘካየድዎ ባእሲ ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳ ነቲ ብኣባትርን ጠራሙዝን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ጉጅለታት ባእሲ ንምህዳእ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ባእስን ዕግርግርን፣ ኣስታት 24 ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ናብ ግዝያዊ መጽንሒ ማእከል ከምዝተወስዱ’ውን እቲ ምምሕዳር ኣምልኪቱ።

እቲ ናብ ሰሉስ 25 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝተኻየደ ዝተኻየደ ባእሲ፣ ጠንቑ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ ብጉዳይ ኣሰገርትን ናይ ምስጋር ቦታን ዝተበጋገሰ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ካሌ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ዜጋታትን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዝርአ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፈረንሳ ንወደባዊት ካሌ ድሕሪ ምዕናዉ፣ ዝበዝሑ እቶም ኣብታ ከተማ ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ካልእ ክፋላት ፈረንሳ ክግዕዙ እንከለዉ፣ ካብቲ ቦታ ጠቕሊሎም ዘይርሓቑ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት 400፣ ቴንዳታት ዘርጊሖም ይነብሩ ከምዘለው ትካላት ገበርቲ ሰናይ ካብቲ ቦታ ይሕብራ።

 

ስእሊ፣ ፋይል(ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0