ናብ ሶማል ምስጢራዊ ዑደት ዘካየዱ 11 ኣባላት ባይቶ ኬንያ ተቐይዶም

Radio Erena: 03 March 2020

ናብ ሶማል ምስጢራዊ ዑደት ዘካየዱ 11 ኣባላት ባይቶ ኬንያ፣ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመልስሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ከምዝተቐየዱ ማዕከናት ዜና ካብ ናይሮቢ ሓቢረን።

እቶም ምስ ሶማል ንዝዳወብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ዝወከሉ ኣባላት ባይቶ ኬንያ፣ ናብ ሶማል ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዶም ብሰንበት 1 መጋቢት ኣብ ዝተመልስሉ፣ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንሓያሎ ሰዓታት ተታሒዞም ድሕሪ ዝተኻየደሎም መርመራ ብናጻ ከምዝተፋነዉ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንሳቶም ኣብ ዝተኻየደሎም መርመራ፣ ናብ ሶማል ዝበጽሕሉ ምኽንያት ብዛዕባ ጸጥታን ኩነታት ትምህርቲን ናይቲ ዘዳውቦም ክፋል ሶማል ንምዝታይ ናብታ ሃገር ከምዝኸዱ ምግላጾም ጠቒሱ።

ዘካየድዎ ዑደት ካብ መንግስቲ ኬንያ ፍቓድ ዘይረኸበን ንመንግስቲ ዘይወከልን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊኦም ዝኾነ ክሲ ከምዘይምስረት እቲ ሚኒስትሪ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ዕጡቓት ኣልሸባብ ብብዝሒ ከምዝንቀሳቐስሉ ዝንገረሉ ምስ ሶማል ዘዳውብ ከባቢታት ጋሪሳ፣ ዋጂርን ማንደራን፣ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጸጥታዊ ስግኣት መንግስቲ ኬንያ’ዩ።

ኣልሸባብ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ እዋን መጥቃዕትታ ከምዝፍጽም ይፍለጥ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0