ቻይና፣ ኤርትራ እትርከበን ብሃገራት ምዕራብ ዝተገለላ 26 ሃገራት ብምጥባቕ፣ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ትምጉት ምህላዋ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 October 2020

ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ሃገራት ዝገብርኦ ዘለዋ ጸቕጢ፣ ቻይና ኣብ ባይቲ ጸጥታ ብዘለዋ ቀዋሚ መንበር ተቓውሞታት ተስምዕ ከምዘላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዛንግ ዡን፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን፣ ኤርትራን ንእትርከበን 26 ሃገራት ዘውርዳለን ዘለዋ ጸቕጢ ከምዝኾነነ እቲ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

ገለ ካብተን ቻይና፣ ብኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ጸቕጢ ይበጽሐን ኣሎ ዝበለተን 26 ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢራን፣ ሶርያ፣ ቬኔዙዌላ፣ ሰሜን ኮርያን ካልኦትን ይርከብአን።

ቻይና እዘን ሃገራት ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለም ጸቕጢ ይበጽሐ ምህላዋ እኳ እንተመልከተት፣ ዝፍጸም ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከተተኩረሉ ኣይመረጸንትን።

እዚ ድማ ቻይና፣ ዝያዳ’ቲ ኣብዘን ሃገራት ዘሎ ምልካዊ ስርዓታትን ዝፍጸም ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ናይ ወፍሪን ንግድን ጥመትኣ ጥራይ ከምዘገድሳ ሓያሎ ተንተንቲ ብወገኖም ይንወቑ።

መብዛሕተን እዘን ቻይና እትጣበቐለን ዘላ ሃገራት፣ ምስኣ ንግዳዊ ልውውጥ ዘለወን ኮይነን፣ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ትካላዊ ምሕደራ መንግስትን ዘይውንና’የን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0