ቲክቶክ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደጋ ይኸውን: ሕብረት ኣፍሪቃ ኢዱ የእቱ

RADIO ERENA –Tuesday, 02 April 2024

ኣብ መስከረም 2016 ዝጀመረ ማሕበራዊ መራኸቢ ምውዐላ(App) ‘ቲክቶክ‘ (TikTok) ክጅምር እንከሎ ዕላምኡ ተጠቀምቲ መሃሪ: መዘናግዒ: ምህዞን ሰንዓን: ሳዕስዒትን ደርፍን ካልእን እዩ ዝበልዎ ሓጸርቲ ቪድዮታት ምስ መሓዙቶምን ሰዓብቶምን ከካፍሉ ዕድል ንምፍጣር እዩ ኔሩ::

ተልእኾና ፈጠራ ንምትብባዕን ሓጎስ ምፍጣርን እዩብዝብል ቴማ ዝተበገሰ ቲክቶክትምህርታዊ ሓዘል ጥቕምታትኳ እንተሃለዎ ሓያሎ ዘይሓላፍነታውያን ተጠቀምቱ፤ ጽልኢ ኣብ ምዝርጋሕ: ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ካልእን የውዕልዎ ብምህላዎም ማዕረ ጥቕሙ ጉድኣቱውን እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ::

ኣብ ቻይና ብዝመደበሩ ባይት ዳንስ‘ (ByteDance) ዝብሃል ትካል ምውዐላ(App) ዝውነን ቲክቶክብተወሳኺ ወልፊ ዘትሕዝ ብምኳኑ: ሓያሎ ተጠቀምቱ ብፍላይ መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመን ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብኡ የባኽኑ ብምህላዎም ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን ድኽመት ኣውሪዱ ናብ ጸቕጢ: ሻቕሎት:ባዶነትን ካልእ ስነኣእምሮኣዊ ኩነትን የምርሖም ኣሎ::

ኣብ ኣስታት ክልተ ቢልዮን ተንቀሳቐስቲ ተሌፎናት ተጻዒኑ ወርሓዊ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ተጠቀምቲ ዘለዉዎ ቲክቶክንኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ብእወታን ኣሉታን ኣብ ምጽላው ክርከብ እንከሎ ዝያዳ ግን እቲ ኣሉታ ኣሻቓሊ ኮይኑ ይርከብ::

ኣብ ኣፍሪቃ ሓያሎ ተጠቀምቲ ቲክቶክነቲ ምውዐላ ናብ ሕማቕ ንሕብረተሰብ ዝጎድእ ብምውዓሎም ኣቐዲመን ሶማልያን ሰኔጋልን ካብ ሃገረን ክእግደኦ እንከለዋ ብሳዕቤኑ ዝተሻቐሉ ተቓለስቲ ድሕነት ኣብ ኬንያን ኡጋንዳን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃንውን ቲክቶክኣብ ሃገሮም ክዕጾ ይጽውዑ ኣለዉ::

በዚ መሰረት ሕብረት ኣፍሪቃ ምስ ትካል ቲክቶክብምዝርራብ እቲ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘይ ኣገባብ ምጥቃም ጎዳኢ ምኳኑ ዝገልጹ ቪድዮታትን ኣስተምህሮታትን ክዝርጋሕ ተሰማሚዖም::

እቲ ዝዝርጋሕ ቪድዮታት መምህራንን ክኢላታትን ብምውሳእ ተጠቀምቲ ንእወታዊ ጥቕሚ ከውዕልዎ ዝጉስጉስ እዩ::

ቲክቶክኣብ ልዕሊቲ ዝህቦ ናይ ፈጠራውነት ምዝንጋዕን ጥቕሚ ሓያሎ ኣብ ምኩስጓስ ጽልኢ:ሃይማኖታዊ ምፍሕፋሕ: ዓሌታዊ ግጭት: ጸወታዊ ግፍዒን ካልእን ይጥቀምሉ ኣለዉ::

ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ኤርትራውያንውን ውሑዳት ገዱፍካ ዝበዝሑ ቲክቶክኣብ ዘየድሊ መዓላ ጽልእን ሕሜትን እዮም ዝጥቀምሉ ዙለዉ::

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0