ቱርኪ ኣብ ቀጠር ተወሳኺ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 03 September 2019

ቱርኪ፣ ኣብ ቀጠር ተወሳኺ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ምዃና ተገሊጹ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሓ መዓስከር፣ ሓይልታት ኣየርን ባሕርን ዘጠቓለለ ሰራዊት ከተዋፍር ምዃና ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ቅርበት ዘለዎም ወገናት ንዝሃብዎ ሓበሬታ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ዝጸንሐን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከዕብያን፣ ቱርኪ ድማ ኣብ ቀጠር ተወሳኺ መዓስከር ከተቕውም ምዃናን ዝግለጽ ዘሎ፣ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብጉዳይ ኢራን ኣብ ሻቕሎት ወዲቐናሉ ኣብ ዘለዋ ወቕቲ’ዩ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝተመርሐ ምትእኽኻብ ሃገራት ወሽመጥ፣ ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝጸንሖ ምስሕሓብ ከይፈትሐ፣ ኣብ ጉዳይ ኢራን ሓባራዊ መርገጺ ክወስድ ከምዘይክእል ተንተንቲ የረድኡ።

ቱርኪ፣ ካብ ቀጠር ወጻኢ፣ ኣብ ሶማል’ውን ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ሱዳን፣ ብሓገዝ ቀጠር፣ ኣብ ወደብ ስዋኪን’ውን ተመሳሳሊ መደብ እኳ እንተነበራ፣ ስርዓት ኣልበሺር ብምውዳቑ እቲ መደብ ተሰናኺሉ ምህላዉ ይግለጽ።

ሃገራት ዓረብ፣ ኣጋጢሙወን ዘሎ ምክፍፋል፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ቅድድም ወትሃደራዊ ሽርክነት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

ኤርትራ፣ ጅቡቲን ሶማሊላንድን ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ክውግና እንከለዋ፣ ሶማል፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ግና ምስ ክልቲኡ ደምበታት ዝጸንሐን ዝምድና ክቕጽላ ከምዝደልያ’የን ዝገልጻ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ቀጠርን ቱርኪን ተሓባቢረን፣ ኣሕዋት እስላም ንዝተባህለ ምንቅስቃስ ብምድጋፍ፣ ኣንጻሩ ውዲት ይኣልማ ከምዘለዋ’ዩ ዝወቅስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0