ቱርኪ፣ ንመንግስቲ ሶማል ድሮን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ንዋት ከምዘበርከተት ተገሊጹ

Radio Erena: 13 December 2021

ቱርኪ፣ ንመንግስቲ ሶማል፣ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ሓገዝ ከምዘበርከተት መርበባት ዜና ገሊጸን።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተለገሰ ዝተገልጸ ወትሃደራዊ ንብረት ድሮንን፣ ኣብ ምምልላስ ሰብን ኣጽዋርን ዘገልግላ ዓበይቲ መካይንን ዘጠቓለለ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ካብ ቱርኪ ዝተለገሳ ወትሃደራውያን መካይን ንመንግስቲ ሶማል ከምዝተረከባ ዘረጋገጸ ኤምባሲ ቱርኪ ካብ ሞቛድሹ፣ ብዛዕባ ናይቲ ናይ ድሮንን ካልእ ዓይነት ኣጽዋርን ግን ኣይጠቐሰን።

ሰራዊት ሶማል፣ ነተን ድሮን ኣብ ምህዳንን ምጥቃዕን ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከውዕሎ ምዃኑ ኣብ መርበብ ጋረወ ዝሰፈረ ጸብጻብ ይእምት።

ይኹን’ምበር ቱርኪ ነቲ ብፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ዝምራሕ መንግስቲ ሶማል እትልግሶ ዘላ ኣጻዋር፣ ኣብታ ሃገር ኵናት ኣብ ምግዳድን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ይውዕል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ይወቕሱ።

ኣብ ሶማል ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣቝማ እትርከብ ቱርኪ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፣ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት መንግስቲ ሶማልን ካልእ ወትሃደራዊ ንጥፈታትን ተዋፊራ ትርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0