‘ብርጌድ ንሓመዱ፣ ኣንጻር ፌስቲቫላት ህግደፍ ዘካየድዎ ተቓውሞ፣ ንምልኪ ዘለዎም ሕሉፍ ጽልኢ ዘጉልሕ’ዩ።’

Radio Erena: Thursday, 10 August 2023

ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻር ፌስቲቫላት ህግደፍ ዘካየድዎ ተቓውሞታት፣ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ዘለዎም ተሪር ጽልኢ ዘጉልሕ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ብ09 ነሓሰ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ናይ ስርዓት ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ጀርመን፣ ሽወደንን ካናዳን ዝፈጸምዎ፣ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ፣ መርኣያ ናይቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዘለዎም ጽልኣት ምዃኑ’ዩ ኣስሚርሉ።

እንተኾነ፣ ብውገን መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን፣ እቲ ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝተኻየደ፣ ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ናይ ምባልን ምስንኻልን ስርሒታት፣ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ተወላዶ ትግራይ ዝፈጸምዎ’ዮም ዝብል ወቐሳ ከምዘሎ እቲ ኣብ ዓለም ሰፊሕ ሸፈነ ዘለዎ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ብስም ብርጌድ ንሓመዱ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሽወደን፣ ካናዳን ኣመሪካን ንዝተወደበ ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ንምባሉ ወይ ንምስንኻሉ ዘካየድዎ ስርሒታት፣ ብማዕከናት ዜና ዓለም ሰፊሕ ሸፈነ’ዩ ተዋሂብዎ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ስርሒታት፣ 10ታት ኤርትራውያን ክቖስሉ እንከለዉ፣ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ሓያሎ መካይን ተቓጺለን።

ሓያሎ ኤርትራውያን’ውን ብፖሊስ ተታሒዞም ክእሰሩ እንከለዉ፣ መብዛሕቶም ብኡ ንብኡ’ዮ ነናብ ገዝኦም ተፋንዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምስ ሃገራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽሎ ምህላዉ፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ራፖርቱር፣ መሓመድ ባቢከር፣ ብ07 ነሓሰ ንዘቕረቦ ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣሶሸተድ ፕረስ ኣገንዚቡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0