ብርክት ዝበለ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከምዝገዓዘ ተገሊጹ

ብርክት ዝበለ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከምዝገዓዘ ተገሊጹ

Radio Erena: May 21, 2014

eri troops

ብርከት ዝበለ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ናብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ከምዝገዓዘ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

መብዛሕቱ ካብ ከባቢ ከተማ ኣስመራ ተሳሒቡ ናብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ዝግዓዘ ሰራዊት ዕላምኡ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ኣብ እዋን ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ካብ ካብን ናብን ሱዳንን ኤርትራ ክህሉ ንዝኽእል ፍኑው ምንቕስቓስ ንምቁጽጻር ዝዓለም’ዩ ክብሉ እቶም ምንጭታት የርድኡ።

 

መብዛሕቱ ሓለዋ ከተማታት ዕድመ ብዝደፍኡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ብኣባላት ሚኒስትሪታትን ብዝቖመ ህዝባዊ ሰራዊት ከምዝተተክአ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሳሕቲ’ውን ካልኦት ኣሃዱታት ሰራዊት ክጽንበርኦ ጸኒሐን’የን።

ኣብ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት፣ ኣብ ሓለዋን ግፋን ዝዋፈሩ ኣሃዱታት ሰራዊት ምውፋር ንቡር ተርእዮ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ካብ ናይ ዝሓለፈ እዋናት ብዝተፈልየ ዝሓሸ ግፋን ውሑድ ኬልታታትን ዝተራእየሉ’ዩ ክብሉ’ውን ሓያሎ ነበርቲ ኣስመራ ይገልጹ።

እቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝነበረ ገለ ክፋል ኣህዱ ሰራዊት ናብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ምግዓዙ ድማ፣ ነቲ ፍኑው ምንቕስቓስ ገኒንሉ ኣሎ ዝብሃል ዘሎ ንኤርትራን ሱዳንን ዘዳውብ ከባቢታት ንምክትታልን ዝዓለም ከይኮነ ኣየተርፍን ዝብል ግምታት ኣሎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0