ብሪጣንያ፣ 6000 ሓተቲ ዑቕባ ክትጥርዝያ

RADIO ERENA – Wednesday, 01 May 2024

ብሪጣንያ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2024 ኣስታት 6 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክትጥርዝ መደብ ከም ዘለዋ ሓደ ላዕለዋይ ሚኒስተር ትማሊ ሰሉስ 30 ሚያዝያ ገሊጹ።

እዚ ኣሃዛት`ዚ፡ እቲ ካብ ኤውሮጳ ብነኣሽቱ ጀላቡ ዝመጹ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክጥረዙ ዝብል ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝቐረበ እማመ ብባይቶ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ሒደት መዓልታት ተኸቲሉ እዩ ናብ ህዝቢ ወጽዩ።

ሩዋንዳ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ኣስታት 5,700 ስደተኛታት ክትቅበል ከምዝተሰማምዐት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ትማሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ እቶም ዝተረፉ 2,143 ድማ ቅድሚ ናብ ርዋንዳ ምብራሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ሽዑ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ዝነበረት ሱኤላ ብራቨርማን ናብ ሩዋንዳ ምብጻሕ ኣካይዳ ከምዝነበረት ይዝከር።

ንሳ ኣብቲ እዋን ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝጥረዙ ሓተቲ ዑቕባ መንበሪ ክኾኑ ዝተባህሉ ኣባይቲ ምብጻሕ ኣካይዳ ኔራ።

ብመሰረት ሓደ ዓለምለኻዊ ኣውፋሪ ተመሲሉ ኣብ ርዋንዳ ሕቡእ መጽናዕቲ ዝገበረ opendemocracy ዝተባህለ ማዕከን ዜና ግን እቶም ኣባይቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መሸጣ ከም ዝርከቡ 70 ሚእታዊት ድማ ከምዝተሸጡ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ጥሪ 2022ን ዝሓለፈ ዓመት ሰነን ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ሕቶ ዑቕባኦም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተቖጺሩ ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ከምዝኽእሉ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ 18 ኣዋርሕ ግዜ ልዕሊ 57 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ከምዝኣተዉ ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ይሕብር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0