ብሪጣንያ፣ ዝስጎጉ ስደተኛታት ምቕባል ዝኣበያ፣ ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ከተተግብር ምዃና ኣጠንቂቓ

Radio Erena: 20 October 2021

ብሪጣንያ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታትን ጉዳዮም ዝተነጽገ ሓተቲ ዑቕባን ንምስጓግ ብዘውጽኣቶ መደብ መሰረት፣ ዜጋታተን ምቕባል ንዝኣበያ ሃገራት ፣ ናይ ቪዛ መቕጻዕቲ ከተተኣታቱ ምዃና ኣጠንቂቓ።

ካብ ብሪጣንያ ንዝስጎጉ ዜጋታተን ምቕባል ኣብ ልዕሊ ዝኣበያ ሃገራት፣ ጽኑዕ ምቁጽጻርን ክሳብ ምእጋድ ቪዛን ዝበጽሐ መቕጻዕትታት ንምትግባር ተዳልያ ከምዘላ፣ ንጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ፕሪቲ ፓተል ብምጥቃስ መርበባት ዜና ካብ ለንደን ገሊጸን።

ብሪጣንያ፣ ኣብዚ ናይ ቪዛ መቕጻዕቲ ኣቐሚጣተን ዘላ ሃገራት፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ዒራቕ፣ ኢራን፣ ፓኪስታንን ፍሊፕንስን’የን።

እዘን ሃገራት፣ እቲ ናይ ቪዛ መቕጻዕቲ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ፣ ዝስጎጉ ዜጋታተን ንምቕባል ምስ ብሪጣንያ ክተሓባበራ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ጸዊዑ።

ኣመሪካ’ውን ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ፣ ተመሳሳሊ ናይ ቪዛ እገዳ ኣተግቢራ ኔራ’ያ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0