ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን በጺሑ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን በጺሑ

Radio Erena: 02 January 2019

Ethio FM in Sudan

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናብ ካርቱም ዘምርሐ፣ ሳልስቲ ድሕሪ’ቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ሓላፊ ስለያን ግብጺ ኣብ ሱዳን ዘካየድዎ ምብጻሕ’ዩ።

ዕላማ ዑደት ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮዕጵያ ናብ ሱዳን ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ክልትኤን ሃገራት ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

ኣቐዲሙ’ውንብ20 ታሕሳስ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ልኡኽ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዱ’ዩ።

ላዕለዎት ስበ ስልጣን ኢትዮጵያን ግብጽን ናብ ካርቱም ዝበጽሑ ዘለዉ፣ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0