ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኻሕዱ 19 ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናት ኣብ ጅቡቲ ሓገዝ ይሓቱ

ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኻሕዱ 19 ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናት ኣብ ጅቡቲ ሓገዝ ይሓቱ

Radio Erena: 30 March 2016

POw

ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዘለዉ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ኩለንትናዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ኤርትራውያን ክጽዕርሎም ተላብዮም።

እቶም ን8 ዓመታት ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩዃት ኵናት ኤርትራ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘለዉ ብምዝክኻር፣ ኤርትራውያን ወገናቶም ይኹን ማሕበረ ሰብ ዓለም ቆላሕታ ብምግባር ሓገዙ ከበርክተሎም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ተማሕጺኖም።

ንሳቶም ምስ ምልቓቕ ናይቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ኣመልኪቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ ንህላዊኦም ምክሓዱ’ውን ከምዘሕዘኖም ገሊጾም።

 

ናብቲ ዝኸሓዶም መንግስቲ ክምለሱ ድሌት ከምዘይብሎም’ውን ኣረጋጊጾም።

ይኹን’ምበር ወገኖም ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ፣ ካብዚ ተካሒዶምሉ ዘለዉ ሕማቕ ኩነታት ንኽወጹን ክሳብ ናጻ ዝወጹ ኸኣ ዝከኣል ዘበለ ካልእ ሓገዛትን ከበርክተሎም ሓቲቶም።

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ብኤርትራ ተታሒዞም ንዝነበሩ ምሩዃት ኵናት ክልቐቑ፣ ክሳብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ከቕርብ እንከሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንፖለቲካዊ መኽሰባቱ ጥራይ ክብል ህላዌ ምሩኻት ክኽሕድ ጸኒሑ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ እግግግገዳ ድህሪ ምንባሩ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣናት እቲ መንግስቲ ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ብዝምልከት ናብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ክቐርብ ምዃኑ ብወግዒ ኣብ ዝተፈልጠሉ፣ እቲ መንግስቲ ክኽሕዶም ካብ ዝጸንሐ ምሩዃት ጅቡቲ ከምዝለቐቐ ይፍለጥ።

ካብ 10 ክሳብ 13 ሰነ 2008 ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፣ 20 ኤርትራውያን ብጅቡቲ ከምዝተማረኹን፣ ሓደ ካብኣቶም ከኣ ብዝነበሮ ከቢድ መውጋእቲ ከምዝተሰውአን ይፍለጥ።

እቶም ዛጊት ብጅቡቲ ተታሒዞም ዘለዉ’ሞ መንግስቲ ኤርትራ ግና ዝኸሓዶም ኣባላት ሓይልትታት ምልኻል ኤርትራ ካብ ክፍላተ ሰራዊት 25 ከምኡ ድማ 15 ኮይኖም እዞም ዝሶቡ’ዮም

1- ሃይለ ገብረመድህን፣ ካብ ዓዲ ባሪ፣ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ፣ ዞባ ደቡብ
2- ተኽለወይኒ ሓድጉ፣ ካብ ማይ ጎርዞ ንኡስ ዞባ ማይምነ፣ ዞባ ደቡብ
3- ኣስፋሃ ኣርኣያ ካብ እምባ ደርሆ፣ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፣ ዞባ ማእከል
4- ሺሻይ ዘካርያስ ካብ ዓደ-ኣውዓለ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፣ ዞባ ደቡብ
5- ዮናስ በረኸታኣብ ካብ ዓዲ ገብሩ ንኡስ ዞባ ዓዲ ተከሌዛን፣ ዞባ ማእከል
6- ፍሻለ ክብሮም ካብ ዓዲ ኩቱር ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ፣ ዞባ ደቡብ
7- ከሰተ ስብሃቱዓዱ ካብ ገረንፊት ንኡስ ዞባ ላዕላይ ጋሽ፣ ዞባ ጋሽ-ባርካ
8- ንጉሰ ማና ካብ ዓናጉለ ንኡስ ዞባ ጎኚ፣ ዞባ ጋሽ-ባርካ
9- ቢንያም መንግስ ካብ ዓዲወግሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፣ ዞባ ደቡብ
10- ተስፉ ወልደሚካኤል ካብ ዓዲ ንእዲ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፣ ዞባ ደቡብ
11- ኣሕመድ ማሓመድ ካብ ዋዝንተት ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፣ ዞባ ዓንሰባ
12- እዮብ ሓይላኣብ ካብ ጋላ ነፍሒ፣ ንኡስ ዞባ ዓርበረቡዕ፣ ዞባ ማእከል
13- በራኺ ተኽላኣብ ካብ ዓዲ ጣፍንፋስ፣ ንኡስ ዞባ እምኒ ሓይሊ፣ ዞባ ደቡብ
14- ኩባጃ ሃይለሚካኤል ካብ መቓርጽ ኣልባ፣ ንኡስ ዞባ ማይምነ፣ ዞባ ደቡብ
15- ዓፋ ሓምድ ማሕሙድ ካብ ዓዲ ሕጻጽ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፣ ዞባ ዓንሰባ
16- መርሃዊ ተኽለ ካብ ሰላዕ ዳዕሮ፣ ዞባ ማእከል
17- መሓመድ ማሕሙድ ካብ ደምሒና፣ ንኡስ ዞባ ዓዲ ቀይሕ፣ ዞባ ደቡብ
18- ተስፉ በየነ ካብ ማይሓ ፣ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፣ ዞባ ደቡብ
19 ተስፉ ህብትዝጊ ካብ ዓዲ ሽሓ፣ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፣ ዞባ ደቡብ’ዮም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0