ብህግደፍ ዝተወደበ ፈስቲቫል ካናዳ፣ ደው ከምዝብል ኮይኑ

Radio Erena: Monday, 07 August 2023

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብህግደፍ ዝተወደበ ፈስቲቫላት ከቢድ ተቓውሞታት ኣብ ዝገጥሞ ዘሎ እዋን፤ ኣብ ካናዳ ክካየድ ዝተወጠነ እውን ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብዘርኣዩዎ ተቓውሞ፤ ደው ከምዝብል ኮይኑ።

ምምሕዳር ከተማ ቶሮንቶ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፤ ‘ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው፤ እቲ ፈስቲቫል ካብ ቀዳም ምሸት ጀሚሩ ተሰሪዙ ኣሎ’ ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ‘ኤርልስኮርት ፓርክ’ (Earlscourt Park) ክካየድ ዝተመደበ ፈስቲቫል ህግደፍ፤ እቶም ደለይቲ ለውጢ ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ክተኣኻኸቡ ብድሕሪ ምጅማሮም፤ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብቲ ቀጽሪ ብምእታው፤ ነቲ ተተኺሉ ዝነበረ ቴንዳታት ክብትኑ ጀሚሮም ክብላ ማዕከናት ዜና ካናዳ ሓቢረን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓደ ሰብ ብካራ ክውጋእ እንከሎ ብውሑዱ 8 ሰባት ከኣ ምቑሳሎም ፖሊስ ቶሮንቶ ክሕብር እንከሎ፤ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብ ግና ከምዘየለ ኣመልኪቱ።

ደገፍቲ ህግደፍ፤ ፖሊስ ካናዳ ዕግርግር ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ተዋሂቡ ክነሱ፤ እቶም ተቓወምቲ ንኩሉ ክሳብ ዘፍርሱዎ ብዘይምምጽኡ፤ ከም ዝተሓባበሮም ኢና ንርእዮ ክብሉ መረረኦም ንማዕከናት ዜና ገሊጾም።

እቶም ደለይቲ ለውጢ ብወገኖም፤ ብስም ፈስቲቫል ዝግበር ዘሎ ምትእኽኻብ ደገፍቲ ህግደፍ፤ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ገንዘብ ንምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፤ ስቓይ ህዝቢ ንኽናዋሕ ኣበርክቶ ምግባር’ዩ ብምባል እዮም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ።

ብዘይካ’ዚ ናይ ካናዳ፤ ኣብ ጀርመንን ሽወደንን ዝርከብኦ ሃገራት ኤውሮጳ እውን ኣብ ልዕሊ ፈስቲቫል ህግደፍ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ተኻዪዱ እዩ።

ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ደገፍቱ ብዘዳልዎ ፈስቲቫላት፤ ህዝቢ ዝራኸበሉ ኣጋጣሚ ንምፍጣር ዘይኮነ፤ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ይጥቀመሉ ብምህላዉ፤ ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0